- ገበን

ብግፍዓዊ ቅትለት ገበን ዝተጠርጠሩ ፍርዲ ረኺቦም

1ይ ተከሳሲ፡ ገብረሂወት ገ/ኣምላክ ኣድራሻ ዞባ ማእኸል ወረዳ መ/ለኸ ን / ወ/ ኣሕስኣ
2ይ ተከሳሲ ፡ ሃፍቶም ተኽላይ ኣድራሻ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ን/ወ/ ኣሕስኣ

1ይን 2ይን ተኸሰስቲ ብዕለት 07/ 04 / 2011 ሰዓት1:30 – 2:00 ናይ ምሸት ብግምት ዝነበረ ግዜ ኣብ ወረዳ መረብለኸ ን/ወ/ኣሕስኣ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ ቁሸት ደብረ ሓርማዝ ኣብ ዝተባሃለ ንመዋቲ ቀሺ ገ/ዋህድ ጎይትኦም ኣፅባሃ ንዝተባሃሉ ተከሰስቲ ካብ ዝነበሮም ቂም ተበጊሶም መዋቲ ኣብ ስራሕ ውዒሎም ንገዝኦም እንትምለሱ ተጠርጠርቲ ሓባርን ተሓባበርን ኾይኖም ብእምኒ ኣብ ርእሶም ወቂዖም ክቀትልዎም ኪኢሎም እዮም ፡፡፡

ፓሊስ ነዚ ጉዳይ ምስ ሰምዐ ጉጅለ ምፅራይ ካብ ን/ወረዳ ን ዞባን ፓሊስ ኣጣይሹ ቀታሊ መዋቲ መን ይኸውን ብዝብል ካብ ፅንዓት ተበጊሱ እቲ ሕ/ሰብ ኣብ ጎድኒ ፓሊስ ጠጠው ኢሉ ሓጋዚ ኾይኑ ክስለፍ ብምግባር ብዝተገበረ ቀትርን ለይትን ምፅራይ ቀተልቲ ሞዋቲ ፓሊስ ምርመራ መዝገብ ናብ ዞባ ዓቃቤ ሕጊ ኣሓሊፋ ፡፡

ዞባ ዓ/ሕጊ ብግፍዓዊ ቅትለት ክሲ መስሪቱ እናተኸራኸረ ድሕሪ ምፅናሕ ተጠርጠርቲ ነዚ ገበን ከምዝፈፀምዎ ብዘቅረቦ መረዳእታ መሰረት ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ

ነዚ ጉዳይ ዝኸታተል ዝነበረ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ዓድዋ ብዕለት 26/ 09/2011 ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ተጠርጠርቲ ጥፍኣተኛታት ኾይኖም ስለዝረኸቦም
1ይ ተከሳሲ ገ/ሂወት ዕድመ ልክዕ እስራት
2ይ ተከሳሲ ሃፍቶም ብ20 ዓመት ፅኑዕ እስራት ክፍረደሎም ክኢሉ ኣሎ ፡፡

-ሕ/ሰብና ካብዚ ሕማቅ ተግባር ክፅየፍ ይግባእ
-ሕ/ሰብና ኣብ ጎድኒ ፀፅታ ተተሰሊፋ ዝስወር ገበን የለን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *