- ዜና ፖሊስ

መዓልቲ ሰማእታት !!

15 ሰነ 1980 ዓ/ም ከተማ ሓውዜን ቅድሚ 30 ዓመታት ዕለተ ረቡዕ ካብ ኩሎም ኩርናዓት ትግራይ ንዋኒን ዕዳጋ ዝመፀ ህዝቢ ኣብ ከተማ ሓውዜን ተአኪቡ ነበረ፡፡ 15 ሰነ 1980 ዓ/ም ግና ከተማ ሓውዜንን ኣብ ዕዳጋ ረቡዕ ዝተረኸበ ህዝብን ከምልሙድ ብሰላም ንክፈላለዩ ኣይተፈቐደሎምን፡፡
~ ~ ~ ~ ~
ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ዓሳ ንምዝፋፍ ባሕሪ ምንፃፍ ብዝብል ዕሙት ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዕዳጋ ረቡዕ ብነፈርቲ ቁምቡላታት ምዝናብ ጀመረ፤ ረፋድ 5፡30፡፡ ድምፂ እንካ ሃባ ከተማ ሓውዜን ናብ ዋይታ ተለውጠ፡፡ ደም ሰብን እንስሳን ተሓዋወሰ፡፡ 2500 ንፁሃት ዜጋታት ብሓንቲ ፀሓይ እንትሞቱ በአሻሓት ዝቑፀሩ ንኣካል መጉዳእቲ ተሳጢሖም፡፡ በሚሊዮን ዝግመት ንብረት ዓንዩ፡፡ ከተማ ሓውዜን ናብ ዑና ተለዊጣ፡፡ ደረፍቲ ዓደየ ሓውዜኔ ሃገራት ሓዚነኔ ሃገራት ተኪዘኔ…ኢሎምላ፡፡
~ ~ ~ ~ ~
ብቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ውደብ ህወሓትን ስዕረት እናተጎልበቡ ዝመፁ ደርጋዊያን ዓምፆ ዓምፆ ንማዕፆ ከምዝበሃል ኣብ ከተማ ሓውዜን ካብ ዘርኢ መጥፋእ ብዘይነኣኣስ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ህዝቢ ሓውዜን ኮነ ህዝቢ ትግራይ ብሕራነ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ደርጊ ንኽለዓል ገበሮ እምበር ኣየሰኮኖን፡፡
~ ~ ~ ~ ~
ህዝቢ ትግራይ ንኣረሜናዊ ስርዓት ደርጊ ንሓሳብን ንሓዋሩን ሓመድ ድበ ከደኖ፡፡ ህዝቢ ሓውዜንን ህዝቢ ትግራይን ድማ ናይ ሰላም አየር ምትንፋስ ካብ ዝጅምሩ 30 ዓመታት ተቖፂሮም ኣለው፡፡ ጨፍጫፍ ሓውዜን በሓደ መዓልቲ በአሻሓት ዝቑፀሩ ንፁሃት ዜጋታት ብግፍዒ ዝረገፍሉ ምዃኑ ኣብዚ ጉዳይ አልዒሎዮ እምበር በተደጋጋሚ በሚጋት ደርጊ ዝተደብደባን ህዝብን ጥሪትን ዝዓነውለን ከባቢታት ትግራይስ ውሑዳት ኣይኮናን፡፡
~ ~ ~ ~ ~
ብምዃኑ እውን ሕዝቢ ትግራይ ንግፍዓዊ ተግባር ስርዓት ደርጊ ንዘለኣለም ዝርስዖ ኣይኮነን፡፡ ነዚ እዩ ድማ ኣብ ቃልሲ 17 ዓመታት ምእንተ ሰላምን ራህዋን፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ዝተሰውኡ ሰማእታት ንምዝካር ኩሉ ግዜ 15 ሰነ *** መዓልቲ ሰማእታ *** ብዝብል ብደረጃ ትግራይ እናተዘከረት እንተውዕል፡፡
~ ~ ~ ~ ~
ሎሚ ዓመት መበል 30 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ብድሙቕ ኩነታት ብክልል ደረጃ ኣብ ክተማ ሓውዜን ተከቢሩ፡፡
ክብሪ ነቶም እንኮ ህይወቶም ገቢሮም ኣካሎም ጎዲሎም ኣብዚኣ ክንበፅሕ ዝገበሩ ጀጋኑ፡፡ ብህይወት ዋላ ኣይሃልዉ ብመንፈስ ምሳና ስለዘለው ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *