ሓጋዚ ሳጅን ኣማኑኤል ብርሃነ ካብ ኣብኡ ኣይተ ብርሃነ ገብሩ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣስካሉ ተኽለሚካኤል ብ1984 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ፡፡ ብ1993 ዓ/ም ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ መፂኡ፡፡ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ማይ ሊሓምን ፍረ ስውኣትን ተማሂሩ፡፡ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ ኻልኣይን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ ዓይደር ኣፅኒዑ፡፡
ብ2008 ዓ/ም ድማ ብቐዳማይ ድግሪ ስፖርት ሳይንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ተመሪቑ፡፡
ኣብ ሓጋዚ ሳጅን ኣማኑኤል ንኩዕሶ እግሪ ፍሉይ ፍቕሪ ስለዝነበሮ ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታት ዝተፃወተ ኾይኑ ብ2009 ዓ/ም ድማ ናብ ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ተፀምቢሩ፡፡ ብሩህ ተስፋ ዝነበሮ ተፃዋታይ እውን ነይሩ፡፡
18 ሚያዝያ ኸባቢ ረፋድ 3፡30 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ እናመፁ እናሃለው ኣብ ኸባቢ ገዋኔ መዋሰኒ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ብዕጡቃት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ 6 ኣባላት ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ጉድኣት ኣጋጢሙ፡፡ ሓጋዚ ሳጅን ኣማኑኤል ድማ ጉድኣቱ ከቢድ ስለዝነበረ ኣብ መበል 27 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡፡
ስነ-ስርዓት ቐብሪ ሓጋዚ ሳጅን ኣማኑኤል ብርሃነ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ኣብ ቤት ክርስትያን ማርያም ጉግሳ መቐለ ተፈፂሙ፡፡
መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡፡ ዝተሰመዐና መሪር ሓዘን ንገልፅ፡፡ንስድርኡን ህዝቢ ትግራይን ድማ ፅንዓት ንምነ፡፡



