- ዜና

ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ጥሒሱ ጫት ብባጃጅ ከዘዋውር ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ #ፍርዲ_ረኺቡ

~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ኣብ ከተማ ኣክሱም #ያሬድ_ገብረዋህድ_ገብሩ ዝተባሃለ ነባርነቱ ከተማ ኣክሱም ጣብያ ማዕበል ዝኾነ ብዕለት 03/09/2012 ዓ/ም ጫት ብባጃጅ ተጠቂሙ ከዘዋውር ሕ/ሰብ ብዝሃቦ ጥቆማ መሰረት ፖሊስ ተኸታቲሉ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ክውዕል ጌሩ እዩ ።

በዚ መሰረት መርማሪ ፖሊስ ኣፃርዩ መዝገቡ ናብ ዓ/ሕጊ ብምልኣኽ ሎሚ ዕለት 04/09/ 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ብዝወዓለ መጋባእያ 10 ወርሒ እስራት ክእሰር ተበይንሉ ።

#ኮሮና_ቫይረስ ቀታሊ እዩ ብሓባር ንከላኸሎ
#ሰላምና_ባዕልና_ንሓሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *